• ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (30 ሚያዝያ 2026)
    Apr 30 2026
    ን ሎሚ ሓሙስ 30 ሚያዝያ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና:
    Show More Show Less
    46 mins
  • ዕለታዊ ዜና Tigrinya ትግርኛ (30 ሚያዝያ 2026)
    Apr 30 2026
    ኣርእስታት ዜና፥ ብምኽንያት እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ግጭት ፡ ዝቕባበ ናብ ሰማይ ከምዘዕረጎ ፣ ናይ ፌደራል ተረዠረር ጂም ቻምበርስ ብምግላጽ እዚ ምውሳኽ ዝቕባበ እናገደደ ክኸይድ ከም ዝኽእል ተኣሚኑ ። ኣብ ለንደን ክልተ ኣይሁዳውያን ሰብኡት ተወጊኦም ፣ ፖሊስ ነቲ ተግባር ግብረ-ሽበራዊ ፍጻመ ገይሩ ሒዝዎ ኣሎ ። ህንዲ ካብቶም ምንጪ ካብ ወጻኢ ዝመጹ ዝበዝሑ ተቐማጦኣ ኣውስትራሊያውያን ኮይና ኣላ ።
    Show More Show Less
    8 mins
  • ሕቡራት ሃገራት ዓረብ ንምንታይ ካብ ኦፐክ ክትወጽእ ወሲና፧ ኣብ ቁጠባ ዓለም ዘምጽኦ ሳዕቤን ከ፧
    Apr 29 2026
    ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ፡ ካብ ግንቦት ኣትሒዛ ካብ ዉድብ ናብ ወጻኢ ነዳዲ ዝልእካ ሃገራት ወይ ካብ OPEC ከም እትወጽእ ኣፍሊጣ ። እዚ ውሳነ እዚ ፡ እታ ሀገር ምስ ስዑዲ ዓረብ ዘለዋ ዉጥረትን ምስ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዘለዋ ድልዱል ዝምድናን ዘንጸባርቕ ምዃኑ ተንተንቲ ይገልጹ ። እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ፡ እቲ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ብቐጻሊ ዝዕጾ ዘሎን እዚ ናይ ኢማራት ዉሳነ፡ ኣብ ዋጋታት ነዳዲ ዝህልዎ ጽልዋ ክድህስስ እዩ ።
    Show More Show Less
    7 mins
  • "ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ከባቢ 65 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ናይ ሞት ፍርዲ ክፍጸመሎም ይኽእል እዩ።" ጸብጻብ
    Apr 29 2026
    ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣመሪካ፡ ስለ ምምሕያሽ ዝምድናን ኤርትራን ኣመሪካን ንዝቐረበ ወቐሴታ ምላሽ ሂቡሉ። ነባር ቤት ምኽሪ ትግራይ" ናብ ስራሕ ይመለስ ዝብል ውሳነ ከም ዘይቕበሎ ፕረዝደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ደጊሙ ገሊጹ። ህወሓት ብወገኑ፡ ጀነራል ታደሰ ወረደ 'ስልጣን ከረክብ ከም ዝግባእ' ኣፍሊጡ። ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ከባቢ 65 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ናይ ሞት ፍርዲ ክፍጸመሎም ይኽእል እዩ ክብል ኣጠንቂቑ።
    Show More Show Less
    10 mins
  • ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (29 ሚያዝያ 2026)
    Apr 29 2026
    ** ቐጠር ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኩለንተናዊ ስምምዕ ሰላም ክግበር እማመ ኣቕሪባ። ** ካብ ሰንበት ንግሆ ኣትሒዙ ኣብ ጥቓ ኣሊስ ስፕሪንግስ ዝጠፍአት ጓል ሓሙሽተ ዓመት ቆልዓ ንምርካብ ዝግበር ጻዕሪ ራብዓይ መዓልቱ ሒዙ ። ** ኣብ ከተማ ኣስመራ ብዝተወልዐ ባርዕ ሓዊ ክልተ ሰባት ከምዝሞቱ ተሓቢሩ።
    Show More Show Less
    4 mins
  • #109 Talking about ageing parents (Med) - ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝኛ ምስ SBS: Talking about ageing parents (Med)
    Apr 29 2026
    Learn English useful for talking about ageing parents and family responsibilities. Practise everyday phrases for describing challenges, offering help, and discussing how to support parents. - Learn English useful for talking about ageing parents and family responsibilities. Practise everyday phrases for describing challenges, offering help, and discussing how to support parents.
    Show More Show Less
    9 mins
  • Tips to reduce petrol costs | Fuel in Focus - ጠቓሚ ምኽርታት ዋጋ ነዳዲ ንምጉዳል፡
    Apr 28 2026
    Rising fuel prices are putting pressure on household budgets across Australia, and for many people, it’s changing the way they travel. So what can you do to reduce your fuel costs without giving up your daily routine? Here are some simple, practical ways to save money on petrol. - ናህሪ ዋጋታት ነዳዲ ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ኣብ ልዕሊ ናይ ምነባብሮ ባጀት ጸቕጢ ይፈጥር ኣሎ ፡ ብዙሓት ሰባት ድማ ነቲ ክግብርዎ ዝጸንሑ ኣገባብ መጓዓዝያ ይቕይርዎ ኣለው ። እሞ ደኣ መዓልታዊ ንጥፈታትኩም ኸይተሰናኸለ ፡ ወጻኢታት ነዳዲ ንምንካይ እንታይ ክትገብሩ ትኽእሉ ? ኣብዚ ገለ ቀሊልን ግብራውን ገንዘብ ኣብ ነዳዲ ንምቑጣብ ቀሪቡ ኣሎ ።
    Show More Show Less
    8 mins
  • ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (28 ሚያዝያ 2026)
    Apr 28 2026
    ** ኢራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ዘኽፍት እማመ ኣቕሪባ፡ ፕረሲደንት ትራምፕ ምስ ኣካላት ጸጥታኡ ይመያየጠሉ ኣሎ። ** ናይ ካሊፎርኒያ መምህር ብፈተነ ቕትለት ፕረሲደንት ኣመሪካ ክሲ ቀሪቡሉ። ** ኣብ ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና ብውሕዱ 19 ሰባት ሞይቶም።
    Show More Show Less
    5 mins